“..ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ ኣሎኹ እሞ፡
በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና።” ሮሜ 8:38-39
ቅዱሳን ኣሕዋት ሰላም ኣምላኽ ምስ ኩሉኹም ይኹን። ድሮ’ኳ ሰሙናት ቆጺርና ካብ ዘይንራኸብ፥ እኳ ናፍቖት ሕብረት እተሃለወና ፥ ነዚ ተላባዒ ሕማማ ኣብ ምዝሕታል ከም ኩሉ ዜጋ ተራና ንጻወት ከም ዘሎና እናዘከረና: ብ ጸሎትን ዓቕልን ክንጸንዕ ነዘኻኽር።
በዚ ዘሎ ኩነታት ኣገልግሎት ማሕበርና ብኸመይ እዩ ክካይድ? ዝብል ሕቶ ክመጽእ ናይ ግድን እዩ፥ እቲ መልሱ ድማ እንሆ;
ከምቲ ዝቐነናዮ ፥ ናይ ሰንበት መደብ ከምዚ እዩ ክመስል፤
- ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ፥ ሰዓት 10:00 am. በቲ ብ zoom ዝፍለጥ App ክካይድ እዩ። ኩሉና ነዚAPP ኣብ ቴለፎናትና ወይ ወን ኣብ ኮምፒትራናን ክንጽዕኖ ንላቦ
ኣብ ነፍዚ ወከፍ ሰንበት ሰዓት 11:00pm ቃል ኣምላኽ፤መዝሙርን ጸሎትን ዝሓዘለ መደብ በቲ ናይ ማሕበርና መርበብ መራኸቢ ብዙሃን ክዝርጋሕ እዩ።
- ብ Facebook @GSLCTigrinya (Please follow )
- ብ Youtube GSLC TIGRINYA MINISTRY (Please subscribe)
ጉስነትን ሓልዮትን ማሕበር ;
ኣብ ልዕሊ እቲ ብ ቴሌፎን: ቪድዮን ብጽሑፍን ዝካየድ ዘሎ ዕዮ ካህናት፤
ካብ ማእከልና ሓንቲ ሃለዋት ማሕበር ኣብ ምፍላጥ እትተሓገዝ ብ ‘ሓልዮት ኣሕዋት’ እትፍለጥ ጉጅል ቆይማስ ድሮ እኳ ስርሓ ጀሚራ ኣላ። ኣባላታ ካህናት ማሕበር ፤ ሓው መስረት -ገ/ክርስቶስ: ሓው ጸጋይ-ዘወንጌል ከምኡ ውን ሓው ኣቤል-ኣማኑኤል እዮም።
ነፍሲ ወከፍ ረቡዕ ናይ ሕብረት ኣሕዋት ምምዝርራብ ግዜ ካብ ክሳብ ክህልወና እዩ።
ኣብ ነፍሲወከፍ ሓሙስ ብ ኣሓትና ዝዳሎ ናይ ጸሎት እዋን ካብ 7pm-9pm ክህልወና እዩ።
ከምኡ ውን ኣድላይነቱ ተራእዩ ዝዳሎ ዝተፈላለዩ መደባት ውን ክህልወና እዩ።
ናይ መንእሰያትናን ንኣሽቱ ደቕናን መደባት’ከ?
ብ ኣገልጋሊት ማሕበር ኣቢጋይል ተሰፍየ: እተምእከለ ናይ መንእሰያት መደባት ብ ቪድዮ ቴሌፎንን ጽሑፋትን ክካየድ እዩ።
ነቶም ካብ 5 ክሳብ 13 ዕድሚኦም ዘሎ ደቕና ኣብ ገገዛና ኾይና ብ ቃል ኣምላኽ ከነዕብየሉ ዝሕግዘና ብ ቪድዮ እተሰነየ ሓበሬታት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክለኣኸልና እዩ።
ምሕደራ ቤት፡ክርስትያን ከመይ ይኸይድ ኣሎ፧
ኣማሓደርቲ ማሕበር ኣብ ዝሓለፍ ሰሙናት፤ ካብቲ ወርሓዊ ኣኼበኦም ወጻኢ ፥ ክልተ ግዜ ተጋቢኦም ነቲ ህሉው ኩነታት ይከታተልዎ ኣለው።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እቲ ኩሉ ከኣሊ ብዘሎ ነፍስኹም መንፈስኩምን ስጋኹምን ብ ክርስቶስ ክሕልዎ እሙንን ጻድቕን እዩ።