ብኸመይ ገይረ ይረኽቦ?
1. ናብዚ ዌብሳይት www.rightnowmedia.org.ንእቶ
2. ኣብ ላዕሊ “Access Limited Library” ንጠውቕ
3. ንመምርሒ ተኸቲልና ናይ ገዛእ ርእስና ፕሮፋይል ንኽፈት
ኣየናይ ቪድዮ እየ ክኸፍቶ፧
ኣብኡ ብዙሕ ምርጫታት ኣሎ ፥ግን ቤት ክርስትያን ነዘን ኣብ ታሕቲ ተጠቂሰን ዘለዋ መደባት ክንከታተል ተተባብዕ:
መምሃሪ ቃል ኣምላኽ ካብ ንእሽቱ ክሳብ 5ይ ክፍሊ ዘለው:
ነቲ ብ Phil Vischer ዝተዳለወ “Philippians- Where Does Joy Come From?” (መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊሊጲ) ኣብቲ ምድብ ወይ ውን category ነቲ “Family Devotional Studies.”ብምምራጽ: ካብ 8-10 ደቒቕ ዘይበዝሕ ግዜ : ኣምላኽ ኣብ ናይ መከራ ይኹን ናይ ራህዋ ግዜ ከምይ ኢሉ ንልብና ብሓጎስ ይመልኦ ንምሃር። እዚ ንኽልተ ሰሙን ክኸይድ ዝኽእል መደብ ፥ ድሕሪ ነፈሲ ወከፍ ቪዲዮ ምስ ደቕና ንላዘበሉ ሕቶታት ኣብቲ ቪዲዮ ሰለ ዘሎ፥ ብእኡ ጌርና ምስደቅና ኢሂን ምሂን ክንብሃሃል ነዘኻኽር።
እናዘናገዐ ዝምህር ቃል ኣምላኽ ሓዘል መደባት
ኣብዚ ግዜ’ዚ ደቕና ኣብ ካብ ንቡር ንላዕሊ ግዜ ስለዘለዎም፥ ነዚ ዕድል ተጠቂምና ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ TV SHOWS ክንውልዓሎም። እቶም መዳባት ንደቅና ዝምስጡን ዝምህሩን እዮ። እዚ ኣብቲ “Popular Kids’ Shows.” ንረኽቦ።
ንትሕቲ 1ይ ክፍሊ ዘለው:“BOZ: Bananas, Bubbles and Busy Bodies” ዝብል show ነቲ ፍጥረት ኣምላኽ ኩሉ ፥ ዘሎና በረኸት፥ ስድራ ኣዕሩኽን ሂወትና ብ ኸመይ መገዲ ክንኣልዮ ኣሎና ፥ እናዘናገዐ ክምህር ዝዓለመ እዩ።ሰለስተ እየን :ነፈሲ ወከፈን ከኣ 15 ደቒቕ ይኸዳ።
ካብ 1ይ ክሳብ 5ይ ክፈኢ ዘለው: “Superbook”ዝብል show ኮይኑ ኣዝዩ መሳጥን ማሃሪንኮይኑ: መሰረታዊ ታሪኻት መ /ቅዱስ ዝሓዘለ እዩ። ነፈሲ ወከፍ show 30 ደቒቕ ኣሎዎ ከምኡ ኸኣ ን13 ክፋላታ ኣለዎ።
ን ኹሎም ካብ6ይ ክሳብ 8 ይ ክፍሊ ዘለው
ንዝመጽእ ንዝመጽእ 3ሰሙን ብ “Rooted”ዝብል ኣርእስቲ ደቅና ክማሃሩን ክዓብዩን ተዳልዩ ኣሎ።
ንስድራቤት: እቲ ትምህርቲ እንታይ ከምዝመስል ዘርእይ ሓጺር ጽሑፍ እንሀ: Here
ብኸመይ ገይረ ይረኽቦ?
እዚ ናብቲ ናይ ማሕበርና ወግዓዊ website.ብምኻድ ንረኽቦ። ነፈሲ ወከፍ ሰሙንሓድሽ ቪድዮ ክዝርጋሕ እዩ። ብ ሕቶ እናገበርና ክንዛራረበሉ ዘኽእል ሕቶታትን ሓሳብትን ድማ እነሀ፥ Here
ተወሳኺ ትሕስቶታት፥
ነቲ ብ Bible Project ዝዝርጋሕ ሰሙናዊ ቪድዮን መዘራረቢ ሕቶታትን ናብዚ here, ብምእታው subscribe ጌርና ሰሙናዊ መደባት ንጸበ።